ሳዕቤንን ውርሻን ምልኪ፡- ኣብ ቀዳማይ ክፋል ቴማይ ኣጀማምራ ዘመናዊ ምልኪ፣ መለለዪ ምልኪ፣ ባህሪያት ምልክን ትርጉም እንኮ ሰልፍን ከብርህ ፈቲነ። ኣብ ባህሪያት መላኺ ኣብ ዘትኮርኩሉ ንኣብነት ስልጣን ደርደረ፡ ስልጣን ገበተ፡ ስልጣን በሓተ ክብል ሰምየዮ።

 ብተወሳኺ ሓደ መላኺ ንበይኑ ከምዘይመልኽ፡ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ጽምዋ ጥሒሉ ከምዘይነብር፡ እንታይ ደኣ ኣብ ዙርያኡ ብመንገዲ’ቲ ባዕሉ ዝጠፍጠፎ እንኮ-ሰልፊ ከም ሳተላይት ዝዓስሉን ዘዕገሽግሹን ተበለጽቲ ተለኣኣኽቲ ሓርዩ ከም ዘቐምጥ ገሊጸ ኔረ። ስለ’ዚ ሓደ መላኺ ኣብ ሓደ ሃገር፡ ብግዜ ገደብ ወይ ደረት ክሳብ ዝጸንሐ ይጽናሕ ንበይኑ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ሰላም ዝዘርግ፡ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝዕፍን ህዝባዊ ሃብቲ ዝዘምትሲ ወትሩ ብ”እሺ” በሃልቲ ሰብ ጸቢብ ረብሓ ከም ዝስነ ገሊጸ ኔረ።

ኣብ’ዘን ከም ኣብነታት ዝጥቀሳ ዘለዋ ሃገራት፡ ምልኪ ዝሓለፎ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ጥራሕ ዘይምንባሩ፡ እንታይ ደኣ፡ ዓሌታዊ ምንቅስቃስ ምንባሩ’ውን ከም ኣስተምህሮ ንኽቕመጥ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ይረኣየኒ። ኣመሪካውያን ንኣብነት፡ ኣብ ዓሌትነት መጺእካ ዘርክቦም የብሎምን። ንናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተጻባእቶም “ጃፓን” ወይ “ጃፓናውያን” ኣብ ክንዲ ምባል “እዚ ሰንካም ብጫ ዓሌት” ክብሉ ይስምይዎም ኔሮም። እዚ እቲ ኣብ እዋኑ ሰሪቡ ዝነበረ ወጥሪ ከመይ፡ እንታይ ይመስል ከም ነበረ ዘመላኽት’ዩ። ካልእ ዝጠቐስክዎ ምልኪ ኣብ ጉልበት፡ ኣብ ጎነጽ ዝኣምን ታሪኻዊ ኩነት ምዃኑ፡ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ምስ ደቖሰ፡ ቅድም ኣብ ጎረቤት፡ ደሓር ኣብ ጎረቤት ጎረቤት ከምኡ እንዳበለ ዝቕጽል ኣስፋሕፋሒ ባህሪ ዝውንን ህቦብላ ምዃኑ ከረድእ ፈቲነ።

እቲ ሳዕቤን’ከ እቲ ውርሻ’ኸ፡- እዞም ዝዝረበሎም ዘሎ ሓይልታት ንኣብነት ኣብ ትሕቲ ሓደ “ኣክሲስ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሻርነት ወይ ምሕዝነት ተጠሚሮም ፍርቂ ዓለም ምስተቖጻጸሩ፡ እታ ዝተረፈት ፍርቂ ዓለም ኢዳ ክትህብ ሰለ ዘይከኣለት፡ ሓደ ሓያልን ኣዕናውን ኲናት ክካየድ ግድን ኮይኑ። ኣብ ዑና ስዕረቶምን ውድቀቶምን ከኣ ክንደይ ሚሊዮናት ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ብርግጽ ዝፍለጥ ኣሃዝ የለን። እቲ ዝቐርብ ስታቲስካዊ ገምጋም ግን ብሓቂ ኣእምሮ ዘናውጽ ምዃኑ’ዩ። እዚ ዝበረሰ ንብረት ዝሓረራ ዓድታት፡ ዝዓነዋ ከተማታት / እተን ብኣቶሚክ ቦምባታት ዝተደምሰሰ ከይሓወስካ’ዩ።/ ኣመሪካውያን ንኣብነት ከተማታት ሂሮሽማን ናካዛኪን ብኣቶሚክ ቦምባታት ኣብ ዝደምሰስሉ ሰዓታት፡ እዘን ከተማታት ብድምር ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ይነበረለን ከም ዝነበረ ይትረኽ። እዚ ብዘይካ’ቲ ኢጣልያን ጀርመንን ናብ ጸምጸምን ሕልምልምን ክቕየራ ዝገበረ ምዕባሌታት’ዩ። እዚ ኩሉ ሰቡብ ምልኪ’ዩ። ምልኪ ዝወለዶ ሳዕቤን’ዩ። እቶም ዕውታት ሓይልታት’ውን ኣይተረፎምን። ኤውሮጳ፣ ሰሜንን ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ምብራቕ እስያ ከም ዓውድታት ኲናት መጠን፡ ተፈጥሮኣዊ ምስለን ክሳብ ዝድወን ኮይኑ’ዩ። ግን ወዲ-ሰብ ብኡ ዝኣኽሎ ኣይመስልን። ገና ክፈግድ ኣይተራእየን።

ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ደምሳሲ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዓለም ክትሓብርን ክትተሓባበርን ዘይኮነስ፡ ኣብ ቀጽሪታት ክትገማማዕ’ያ ተራእያ። እቲ ብ “ሳልሳይ ቀጽሪ” ዝፍለጥ ብሕልፊ ካብ ዝኾነ ካልእ ፖለቲካዊ ሕርያ ምልኪ ከምልኽ ኮይኑ። ከም’ዚ ኢለን ከኣ ዋላ እተን ከም ዓበይትን ተጠመትን ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምስሪ፣ ኣብ እስያ ፓኪስታን፣ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብራዚል፣ ኣብ ኤውሮጳ ዩጎዝላቪያ ንምልካውያን ስርዓታት ሮማ፡ በርሊን፡ ቶኪዮን ሕርሕራይ ጌረን ተኪአናኦም። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ምትእኽኻብ፡ ቀላጽም ንሰብኣዊ ፍልስፍና፡ ሓይሊ ንምይይጥ፡ ስልጣን ከኣ ንክለሰ-ሓሳብን ፍትሕን ዝተከኣሉ ግዜ ተራእዩ። ሰራዊት ዝተቖጻጸረ ስልጣን ደርደረ። ቃሕታኡ ገበረ። ታሪኽ ከኣ ይድገም’ዩ ዘሎ። እቲ መላኺ እንኮ። ኣሳሰይቲ ምልኪ ውሑዳት ነውራማት። ብዱላት ግን ብዙሓት።

ከም’ዚ ኢሎም ከኣ ኩሎም ናይ ምስሪ ጀማል ዓብደል-ናስር፣ ናይ ፓኪስታን ጀነራል ኣዩብ ካን፣ ናይ ኢዶነዥያ ሱካርናን ሱሃርቶ፣ ናይ ብራዚል ተወራረስቲ ጀነራላት ውልቃዊ ስልጣኖም ከረጋግጹ ከኣሉ። ገለ ኤውሮጳውያን’ውን ካብ’ዚ ተካል ውርሻ ከምልጡ ዘይከኣሉ ኔሮም’ዮም። ቅድም ሳላዛር ደሓር ከኣ ካየታኖ ፖርቱጋል፡ ጀነራል ሊሶሞ ፍራንቸስኮ ፍራንኮ እስጳኛ፡ ኮሎኔል ፓፓዶ ፑሎስ ግሪኽ፡ ማርሻል ጆዘፍ ብሮዝ ቲቶ ዩጎዝላቢያ፡ ተወራረስቲ ጀነራላት ቱርኪ፡ ምርጫን ኣማራጽን ህዝቢታቶም ከይተወከሱ ኣብ ውራይ ረብሓኦም መቕርቦምን ኮራኹሮምን ኣትኮሩ።

                                                               ይቕጽል

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 22-12-2014