- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
- ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
- ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
- ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
- ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
ዜና - News
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ኣብ ህልውናን መስርሕ ቃልሲ ናይ ሕብረተ-ሰባት፡ ሓድነት ምሕዝነት ወዘተ ዝብሉ ቃላዊ አምራት ተዘውቲሮም ዝላዓሉ ቃላት እዮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ንክውዕሉ‘ውን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝካየደሎም እዮም፡፡
ሓድነትን ምሕዝነትን ናይ ገዛእ ርእሶም መትከላትን ዕማማትን ስለ ዘለዎም ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ብአኦም ተመሪሕካ ክትጥቀመሎም ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጥንቃቐ ክንሰርሓሎምን ክንምራሓሎምን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ኣገባብ‘ዚ ወጻኢ ብድሌት፡ ባህግን ስምዒትን ክንጥቀመሎም እንተተፈቲኑ ግን ካብ ኣሳላጣይነቶምን ዓወቶምን፡ ክሳረኦም ዝበዝሕን ዝዓብን እዩ ዝኸውን፡፡
Weiterlesen: ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ገምጋም ስራሕ ምግባር ብኣረኣእያ ቅቡል፡ ብተግባር ድማ ዝስረሓሉ ምሩጽ ሜላ’ዩ። ምኽንያቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒኻ ዘርኢ፡ ዓቕሚ ሰብ ዘጎልብት፡ ባህሊ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘስርጽ፡ ሚዛን ሓድነትን ማዕርነት ዝሕሉ ደሞክራያዊ መድረኽ ብምዃኑ ኣድላይነቱ ዕዙዝ’ዩ። ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ ከፊትካ፡ መበገሲኻን ሸቶኻን መሰረት ብምግባር፡ እንታይ ወጢንና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ እንታይ ዕንቅፋት ገጢሙና፡ ከመይ ከ ክንሰግሮ ወይ ክንፈትሖ ኣለና ኢልካ ምግምጋም ፍቱን ኣገባብ ንኣድማዒ ስራሕ እዩ። ከም ተመክሮ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከቡ ኣባላት፡ ሰራሕተኛታት፡ ዘሳተፈ ነጻ ገምጋም ስራሕ ስለ ንገብር፡ ኣብ ስራሕና ምትእምማን፡ ግልጽነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት ጠጢዑ፡ ስለዚ ከኣ ውጽኢታውያን ኮይና ኢሎም ክዛረቡ ይስምዑ።
Weiterlesen: ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ናይ ሎሚ መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልስና ሓርበኛዊ ተረኦም እናተጻወቱ ከም ዝመጹ ዘይካሓድ እዩ፡፡ ይኹኑ ዳኣምበር ኣብ ወድብ ህግሓኤ ደሞክራስያዊ ኣፍልጦን መሰላትን ናይ ንጹሃት ተጋደልቲ እናዓፈኑን እናጨፍለቑን፡ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባታት እናኣስፈኑ፡ ናይ ዓፈና ትካላት እናወደቡን ዝመጹ ጸረ ደሞክራስን ፍትሕን መለኽቲ ባእታታት'ውን ነይሮሞም እዮም፡፡
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

ፖለቲካ ከመይነት ምሕደራን ኣነባብራን ህዝቢ ዝቕልስ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ’ዩ። እዚ ዓውዲ’ዚ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ማእከሉ ብዝገበረ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ሕጋዊ ተሓታትነት፣ ስጡም ውደባን ጽፉፍ ባህሊ ስራሕን እንተተመሪሑ መንገዲ ሰላምን ምዕባሌን ዘምጽእ ፍቱን ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካዊ ምሕደራ እንተተዘሪጉ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ተዛቢዑ ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ብቕዓት ዘለዎም ዜጋታት ዘፍሪ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይህሉን። ውጽኢታዊ ምርምራዊ መጽናዕትን ምህዞን ንምክያድ ኣይከኣልን። ሓሪስካ ድዩ ነጊድካ ርእስኻ ክኢልካ ናይ ምንባር ትስፉው ራእይ ኣይህሉን። ውሽጣዊ ሓድነቱን ኣወንታዊ ማሕበራዊ ክብርታቱን ዓቂቡ ብምትሕልላይን ምድምማጽን ዝነብር ርጉእ ህዝቢ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ መኣዝን እንተተዘሪጉ፡ ናይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ውድቀት ኣጋጢሙ ኣሎ ማለት’ዩ። ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ከኣ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ የስዕብ። ብተግባር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝጠንቁ፡ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ እዩ።
Weiterlesen: መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን...
- Details
- Geschrieben von: ክብሮም ከሰተ
እዚ ኣርእስትን ጽሑፍን ተጋ/ስብሓት ነጋ (ኣቦይ ስብሓት) ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ትኽተሎ ፖሊሲ ብዝምልከት ኣብ 2017 ብጋዜጣዊ ወይን ንዝቐረበሎም ሕቶ ካብ ዝሃብዎ መልሲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር።
ወይን፡- ከም ሃገር ኣብ መንግስቲ ሻዕብያ ክንክተሎ ዝጸናሕና ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጸአን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስ’ቲ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገብሮ ኣሎ ዝበሃል ምትእስሳር ቀጻሊ ዕዳ ህዝቢ ትግራዩ ይበሃል፡ ኣብ’ዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 13-28 / መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ምስ ካልኦት ውድባዊ ስራሓት ብምዝማድ፡ 8ተ መዓልታት ዝወሰደ መበል 4 ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መሰረት ገይሩ ድማ ተመያይጡን ገምጊሙን።
ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መልክዕ ዝሑል ኲናት ዳግም ዝበራበረሉን ጽልዋታቱ ብዓለምን ከባቢታትን ዝራኣየሉን ከቢድ ዓለማዊ ወጥርን ስኽፍታን ይዓቢ ምህላዉ፤ ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ብስም ነጻ ዕዳጋን ካልእ ቴማታትን ንዘይማዕበላ ሃገራት መን በሓተን ዝያዳ ተጠቒመን ዝመበገሲኡ ዝረአ ዘሎ ልዑል ውድድርን ተጽዕኖን ኣብ ልዕሊ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲአንን መጻኢ ናይ ምዕባይ ዕድለንን ከቢድ ተጽዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎ ተመልኪቱ።
Weiterlesen: ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ኣፍሪቃ ብርግጽ ሓንቲ ካብ’ተን ሸውዓተ ክፍለ ዓለማት ኮይና፡ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬታ ንዓይኒ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብን ከዐንግል ዝኽእልን ገና ዘይተመዝመዘ በብዓይንቱ ጸጋታት ዘለዋ ኣህጉር’ያ። ኣፍሪቃ ብምዕራባውያን ባርነታዊ ንግዲ ዝተኻየደላ፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ፡ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ከም ስጋ ጉዚ ተመቒሎም ብቐጥታ፡ ብሕሱም ድሕረትን ድኽነትን ዝገዝኣዋ ዝነበሩ ኣህጉር ምዃና ይፍለጥ።
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

“ሎሚ ዓመት 2,296 ተመሃሮ ካብ ኮለጃት ተመሪቖም”። እዚ ብረቡዕ 7 ነሓሰ 2024 ካብ ዝወጸ፡ መበል 33 ዓመት ቁ 293 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ ኣርእስተ ዜና እዩ። ኤርትራ ሃገር‘ምበር ወረዳ ኣይኮነትን። እቲ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 9 ብሄራት ዘለውዎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝብታት‘ምበር ናይ ሓደ ወረዳ ህዝቢ ኣይኮነን። እተን ኣመሪቐን ዝበሃላ ዘለዋ ኮለጃት ከኣ በቲ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ’የ ኢሉ ዝገልጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝውነና ትካላት‘ምበር፡ ናይ ብሕቲ ኮለጃት ኣይኮናን።
በዚ መሰረት ሽዱሽተ ኮለጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ክበሃል እንከሎ እንታይ የመልክት? ምዕባሌ ስርዓተ ትምህርቲ’ዶ ወይስ ውድቀት? ኣብ’ተን ዝማዕበላ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይከድና፡ ኣብ ቀረባ ጎሬባብትና ብፍላይ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ብድሕረትን ድኽነትን ክወራዘየለን ዝስማዕ ሃገራት፡ ብመንግስቲ ካብ ዝውነና ኮለጃትን ዩኒቨሪሲቲታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኮለጅ ዓመታዊ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ ወቕቲ፡ 6 ኮለጃት ኤርትራ 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ዝብል ዜና ምስማዕ የሰንብድ። ብመደብ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንቋር ይስራሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ።
Weiterlesen: ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

ሎሚ መበል 63 ዓመት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ንዝክረሉን ነኽብረሉን ሃገራዊ በዓልና’ዩ። ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኾልፉ ገና ዘይተመለሱ መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ‘ኳ እንተሃለው፡ በቲ ክቡር ባህልና ተገዚኡ እንቋዕ ናብ’ዚ ዕለት ኣብጸሓኩም ይብል። መበል 63 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ህዝባዊ ሓርነትናን ብቕልጽምና ዝብል ዘይምብርከኽ ግብረ መልሲ ዝተጀመረላ፡ ኣብ ተዘክሮ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ።
Weiterlesen: ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ።
Weiterlesen: ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ 1993 ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ውሽጣዊ ስኒት ነይሩና። ብፍላይ ካብ ድሕሪ 1993 ንነጀው ግን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ብቕዓት ዘይብሉ ምሕደራናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ 33 ዓመታት፡ ውሽጣዊ ሓድነትና ኣንቆልቊሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። ብፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ስለ ዝወደቕና ብቑጠባ’ውን ደኺና። ስሩት ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታትና ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ተበሪዙ ናብ ነበረ ይሰጋገር ኣሎ።
ቅድሚ ዝኾነ ነገር ድማ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና መን ጠንቂ ክንሓትት መልሲ ድማ ክንረክብ ኣለና። ነፍስ ወከፍ በዚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ዝቑንዞ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዘቤታዊ ጸላእን ኣምለኽቱን ብዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮጋንዳ ከይተደናገረ፡ ኣነ መን’የ? እንታይ ዓይነት ባህሪ’ዩ ዘለኒ? ናይ መን ወገን’የ? ወገን ዝተገፍዐ ህዝቢ? ወገን ጸላኢ? ወይስ ኣብ ማእከል ዝንሳፈፍ መርገጽ ኣልቦ? እወ ኣነ እንታዩ ዕላማ፡ ፕሮግራመይ? ብተግባር ከ እንታይ ይሰርሕ ኣለኹ? ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ? ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ’ሞ፡ ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ከመዓራሪ ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ብውሽጥኻ ከይነጻህካ ከይዓረኻ፡ ንኻልኦት ክትኣሊ ክትገርሕ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ህዝባዊ ጸገምና ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ስለዘይትኽእል።
Weiterlesen: ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ብእምቤታ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኣለሻ ግዝኣታዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብጽንዓትን ሓቦን ኣላሽ ከይበለ ተጓዒዙ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝፈለመ ፖለቲካዊ ካርታ ሃገርነት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባትን መጀመርያ ብሓይሊ ቀጺሉ ብሕጊ ብህዝበ ውሳኔ፡ ሕቶ መሬታዊ ልኡላውነቱ ዘሐደሰን ዝመለሰን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋግሩ፡ ኣብ ዳግማይ ፈታኒ ናይ ህልውና ቃልሲ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 1991 ከይረብረበ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቱ ልኡላዊ መሬቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 33 ዓመት ኣቑጺሩ።
Weiterlesen: ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ውደባታትን ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ዝነበረ መድረኽ ቃልሲ ጀሚሮም ዋላ እኳ«ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል ዘይወድዓውን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ናይ ዕብለላ ፖለቲካዊ እምነት እንተነበረን፡ ነዚ ዘይቅኑዕን ኣብራስን እምነት‘ዚ ንምርግጋጽ ክበሃል ኣብ ልዕሊ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ተቓለስቲ ውድባት ክሳብ ወታሃደራዊ ጎነጽ ምጥቃም ዝበጽሕ ተርእዮ/ውግእ ሕድሕድ/ እንተነበረ ነቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ውድባትን ዝተፈልየ እምነታትን ክልውጦ/ከጥፈኦ ኣይከኣለን፡፡
Weiterlesen: ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

24 ግንቦት ኣብ ኣእምሮን ተዘክሮን ኤርትራውያን ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ዕለት’ያ። ፍሉይ ዝገብራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ፡ ሰብኣውን ነዋታውን ኩሉ-ሸነኻዊ መስዋእቲ ዝሓተተ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓይልን ብሕግን ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተደብየላ፣ ዋንነታ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ክብርቲ ሃገራዊት ፖለቲካዊ በዓል ብምዃና’ዩ። ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝምንጩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ዜጋታት ብዘይ ሸለብ ገለብ ብርእሰ ምትእምማን ዝነብሩላ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ዝተረጋገጸላ ሃገር ክትከውን ፍሉይ ተስፋ ዝተነብረላ ዕለተ ‘ውን እያ 24 ግንቦት።ስለዝኾነ 24 ግንቦት 2024 ንመበል 33 ዓመት ከነኽብር እንከለና ከም’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብኸበሮ ሳዕሳዒት ወደሳ ዝተዓብለለ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብተግባር ንኸበሮ ሳዕሳዒትን ወደሳን ኣብ ዝዕድም ኩነታት የለናን። ከም ሰባት ክብርና ተዋሪዱ፡ ከም ህዝቢ መእሰሪ ዘይብሉ መኣዶ ኮይና ብዘግምታ ንበታተንን ንጠፍእን ስለ ዘለና፡ በቲ በዓል ምኽንያት ንገብሮ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንካየድ ዘተ፣ ዝቐርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብመልክዕ ስነ-ጥበብ ነመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ነስመዖ ጭርሖ ….ወዘተ፡ ንሕሉፍ ሕልውን መጻእን ፖለቲካዊ ታሪኽናን ምስልናን ጭቡጥ ኣተሃላልውናን ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ከይፈለጥና፡ ዘለናዮ ኩነታት ከይገምገምና፡ መጻኢና ከይሰኣልና፡ ናይ ባህርን ኣሰራርሓን ለውጢ ከይገበርናን ካብ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ክንወጽእ ስለ ዘይንኽእል።
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ሂወት ናይ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ፡ ወድዓዊ ማሕበረ-ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ኩነታቶም ዝፈጥሮም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዉ ባህርያውን ውሁብን እዩ፡፡ እዞም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት/ዕላማ ፍልልይ ክህልዎም ትጽቢት ዝግበረሉ ወድዓዊ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም/ጨቋኒኦም/ በበይኖም ተቓሊሶም ብግዜ ኣንጻር ከድምዑን ክዕወቱን ስለ ዘይክእሉ፡ ናይ ርሑቕ ፍሉይ እምነቶም ዓቂቦም ብሓላፍነታዊ ናጻነት እናገለጹ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘራኽቦም ዕላማታት ተመስሪቶም ግንባር ፈጢሮም፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸለኢኦም ክቃለሱ ግድን እዩ ዝኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ህዝባዊ ዓወት ኣብ ምቅልጣፍ‘ውን ዘይትካእ ተራ ዘለዎ እዩ ፡፡
Weiterlesen: ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ሓድነት ዝብል ቃል ንዝተፈላለዩ መዓላታት ክለዓል ዝኽእል ዝውቱር ኣምር እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣተኲርና እንተርኢናዮ ድማ፡ ሓድነት ናይ እምነት/ዕላማ/ን ተግባርን ውህደት ዘድልዮ ምዃኑ ኢና እንርዳእ፡፡ እዚ ማለት ካኣ ፖለቲካዊ እምነት/ዕላማ ምውናን ሓደ ነገር ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግን ንዝሓዝካዮ ዕላማ ተኣማኒ ብምዃን ግብራዊ ንምግባሩ ቃልሲ ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ‘ውን ኣገዳሲ እዩ፡፡
ካብዚ ወጻኢ እምነትካ ንምትግባር መትከላዊ እምነትካ መበገሲ ብምግባር ግብራዊ ስራሓት ምስ ዘይትገብር ወይ እምነት ጥራሕ ብምሓዝ፡ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ምስ እትደልን እትነጥፍን፡ እቲ ምስ ዝዀነ ሓይሊ ሓድነት ንምግባር ዝብገስ ውራይ/መደብ/ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ስለዚ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት/ሰልፍታት/ ናብ ሓድነት ክበጽሑ እንተዳኣ ኮይኖም፡ ናይ ግድን ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎምን እዚ እምነት እዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ሓድነት ንምብጻሕ ተግባራዊ ስራሕ ከካይዱ ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ እምነት መረጋገጺ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ፡፡
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኮነ እኩባት ሰባት፡ ጸረ-ግፍዕን ገፋዕትን ደው ምባል፡ ወገን ግፉዓት ምዃን ኣወንታዊ እዩ። መግለጺ ሓርበኝነትን ዘይተንበርካኽነትን’ዩ። ክብርን ደገፍን ድማ ዝግበኦ እዩ። ኣብ ብዙሓት ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝተኻየደለን ሃገራት ከም ዝተራእየ ግን፡ ጸረ-ገፋዕቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ግብራዊ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ኣጻፊፍካ ምብጋስ ይሓትት። ግቡእ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ምግባር ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሚ ጸላኢኻ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቁጠባዊ ዓቕምን መስዋእቲ ከፊልካ ሓራ ከተውጸኦ ዝተሰለፍካሉ ህዝቢ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ኣብ’ቲ ተካየዶ ዘለኻ ቃልሲ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩለንተናዊ ዓቕምን ክትፈልጥ ይሕግዘካ። መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ከይገበርካ ብቑጠዐ ጸረ ግፍዕን ገፋዕትን ምብጋስ ግን፡ ነገራት ዝደዋውስ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል፡ ግጉይ ኣገባብ’ዩ። ክሳብ’ውን ሸቶኻ ከይሃረምካ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኮይንካ ታሪኽ ትኾነሉ ኣጋጣሚ ዘስዕብ ሓደጋ ዘለዎ እዩ።
Weiterlesen: ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ እዩ። ተራ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
- ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
