- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
- ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
- ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
- ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
- ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
- ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
ዜና - News
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ።
Weiterlesen: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡
Weiterlesen: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/

ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡
Weiterlesen: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።
Weiterlesen: ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ፖለቲካ ኤርትራ ሎሚ ንለባማት ኣብ ዘየደቅስ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ዝጠልብ ከም ጥሙር ህዝቢ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ዝውስን ኣሰካፊ መድረኽ ከም ዝርከብ ኣየከራኸርን። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዓጺፍካ ናብ ንቡርን ውሑስን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንኮ መፍትሒ፡ ንቑሕን ዝተወደበን ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ’ውን ኣየካትዕን። ካብ ሕሰምና ዘናውሕ ትምክሕታዊ፡ ጸቢብ፡ ስምዒታዊ ሃላልነት፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ዝናን ግዝያዊ ነገራዊ ጠቅምን ዝደሓነ፡ ብሓባራዊ ረብሓን መሰል ህዝብን ዝተቓነየ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ ካብ’ቶም ምሩጻት ሜላታት ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሓቂ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ወኒና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብናን ተኸባቢርናን እንተተቓሊስና እዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ንስዕሮ’ምበር ኣይስዕረናን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብምርጫና ድዩ ተለኪምና ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና “ቆልዓ ውለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት ብጣሕመሽመሽ እንተቐጺልና ግን፡ ናይ ውድቀትና ተሓተቲ ባዕልና ደኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘይናትና ምዃኑ ብኣረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ተግባሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብዘሓ ህዝቢ ከይቀበጾ፡ ባዕሉ ኣይናትኩምን ቅበጹኒ ዝብል መልእኽቲ ብተግባሩ ኣሕሊፍሉና እዩ።
Weiterlesen: ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡ ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን።
Weiterlesen: ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ ኣይግባእን።
Weiterlesen: ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ...
- Details
- Geschrieben von: Super User
መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ።
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።
Weiterlesen: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።
Weiterlesen: ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።
Weiterlesen: ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝብታት ኤርትራ ወነንቲ ልኡውነት ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ዳኣ ይኹኑ’ምበር ነዞም ጸጋታት እዚኦም ብከምቲ ዝድለ ገና ክጥቀምሎም ኣይከኣሉን፡፡ ብጭቡጥ ንምዝራብ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን..ወዘተ ከም ልኡላዊ መሰሎም መጠን’ውን ክሳብ ሕጂ ይጥቀሙሎም የለዉን፡፡ ምኽንያቱ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታትና ፖለቲካዊ ነጻነቶም ጨቢጦም ነብሶምን ሃገሮምን ዝመርሑሉ፡ ዘማዕብልሉን ዘውሕስሉን ቅዋም ተመያይጦም ከጽድቑን ኣብ ሂወቶም ክጥቀምሉን ዘኽእል ዕድል ብመሰረቱ ስለ ዘይረኸቡ፡፡
Weiterlesen: ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡...
- Details
- Geschrieben von: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝባዊ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘካየዶ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትየጵያን ውዲት ናይ ተሓባበርቶምን ብሓይሊ ምስ ተኣገደ፡ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዕጥቃዊ /ዓመጻዊ/ ኣገባብ ክቕየር ግድን እዩ ዝኾነ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክመርሕ ዝኽእል ዝተዳለወ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዘይነበረ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀልጢፉ ክብገስ /ክጅምር/ ኣይተኻእለን፡፡
Weiterlesen: ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል...
- Details
- Geschrieben von: Super User
መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ። ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ። ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።
- Details
- Geschrieben von: Super User

እቶም ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ዘለኹምን ካብኡ ዘምለጥኩምን ኤርትራውያን ደስ ይበልኩም። እቲ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊዘን ምስልሳሉ ንከብቕዕን ከም ዝእገድ ንምግባሩን ዝዓለመ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊታት፡ እነሆ ሎሚ በቲ ንቃልሲ ሳዳታቱን ኣያታቱን ዘቐጸለ መንእሰይ፡ እቲ ዝተሓለነ ሸቶኡ ክወቅዕ ገቢሩዎ ኣሎ። መቓልሕን መሓዙታ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ድማ እቲ ዳርጋ ካብ 2011 ዝጸዓርናሉ ግን ዘይተዓወትናሉ፡ እንቛዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ክንርኢ ገበርኩም። ኣብ ዝቕጽል መደባት እውን ኣብ ምትሕብባርኩም ምህላዋ መቓልሕ ተረጋግጽ።
ብዘይካ እተን ‘ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና’ ብዝብል ምስ ህግደፍ ዝወገና ገለ ከም ተቓዋሚት’የ እትብል ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ (AAN MEDIA NETWORK)ን ባዕላ እታ እንኮ ኤሪ ቲቪ (ERI TV)ን ዝመሰላ ኤርትራያን ማዕከናት እንተዘይ ኰይነን ካልኦት ንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጣታትን ራድዮ-ማዕከናትን መጽሔታትን ዓለም እውን ሳላ ምዑት ቃልሲ መንሰያት “ብርጌድ ንሓመዱ” ንሓቀኛ መንነት ጉጅለ ህግደፍ እናቃልዓ ዜና ምሃበን ቀጺሉ እዩ። ኣብ መንጎቲ ንመሰል “ምክያድ ሕፍረት-ፈስቲቫል ሓራዲ ህግደፍ” ንምርግጋጽ ዝተኸላኸለ ሰራዊት ፖሊስ ጀርመንን ብምሒር ሕርቃን ዝተጻዕኑ መንስያትን ዝተራእየ ጐንጺ ዝተሓወሶ ኣገባብ ክኹነን ዝግብኦ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሓደ “ናይ ኣፍሪቃ ስሜን ኮረያ” እናበሉ ባዕላቶም’ውን ከይተረፈ ዝገልጽዎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን “ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር መሰል ኣለዎ” ብማለት ዝፈቐዱ ኣብያተ ፍርድታት ጀርመን’ውን ሓላፍነት ኣለዎም እብል።
- Details
- Geschrieben von: Super User
ብሓልዮት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደማክራስያዊ ለውጢ
ካብ16 ክሳብ 18
ነሓሰ August 2019
ኣብ ኣይኸን ስትራሰ 9 ፍራንክፎርት ግሪስሃይም Eichen Straße 9 Frankfurt Giesheim
ንሃገርና ዝምልከት ኣገዳሲ ፖለቲካዊ መግለጺታትን መደረታትን ዝሓዘ
ብውሩያት ደሞክራስያውያን ተቓለስቲ ስነጥበባውያን
ብኢዮብ ሃይለ፡ ዓንዲት ዑቕባይ፡ ኑረዲን መሓድን ካልኦትን ጥበበኛታትን ዝተሰነየ
ኣዳሊና ቀሪብናልኩም ኣሎና ብደሓን ምጹ
- Details
- Geschrieben von: Super User
ሳዕቤንን ውርሻን ምልኪ፡- ኣብ ቀዳማይ ክፋል ቴማይ ኣጀማምራ ዘመናዊ ምልኪ፣ መለለዪ ምልኪ፣ ባህሪያት ምልክን ትርጉም እንኮ ሰልፍን ከብርህ ፈቲነ። ኣብ ባህሪያት መላኺ ኣብ ዘትኮርኩሉ ንኣብነት ስልጣን ደርደረ፡ ስልጣን ገበተ፡ ስልጣን በሓተ ክብል ሰምየዮ።
Weiterlesen: ሓደ ውልቀ መላኺ-ክሳብ ግዜ ውድቀቱ- ደምን መንነትን ናይ ህላዌኡን ግፍዑን...
- The difference between federation and confederation
- Eritrean Catholic Church denounces government seizure of health clinics
- European Parliament Adopts a Historic Resolution on Eritrea
- The Experience of National Dialogue for Democratic change in Eritrea
- The Experience of National Dialogue for Democratic change in Eritrea
- USCIRF: Release Eritrean Orthodox Patriarch Abune Antonios
- Israelis charged over mob beating of Eritrean
- Civil Society Associations and their role in democratic transitions
